Logo of Admas Studio featuring an abstract design with orange and black elements and the text 'Admas Studio' underneath.

ኣብ ኣድማስ ስቱድዮ፣
ብሞያዊ ኣገባብ ኣብ ስቱድዮ ዝተመልአ ድምጺ፣ ጽሑፋት ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት
ንፈተና ዜግነት ሽወደን ዝተዳለወ ትምህርቲ
ምስ መንግስታውያን ትካላት ንእትገብርዎ ርክብ ጽፉፍ ኣገልግሎት ንህብ።

ኣብ ኣድማስ ስቱድዮ ብጠለብ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን፣ ን ትረኻ መጻሕፍትን፣ ዛንታታትን፣ ን ኣስተምህሮን መወዓውዕን ብሞያዊ ኣገባብን ብዘመናውያን መሳርሒን ኣብ ስቱድትዮና ዝተመልአ፣ ጽሬቱ ዝሓለወ ናይ ድምጺ ኣገልግሎት ንህብ። ኣብ ሽወደን ንዝቐመጡ ውልቀ-ሰባት ብግብራዊ መምርሕን ትምህርትን፣ ፍልጠት ንምስፍሕፋሕ፡ ርክባት ንምጻር፡ ዕድላት ድማ ተበጻሕቲ ንክኾኑ ንሕግዝ።

እንህቦም ኣገልግሎታት

ንመንግስታውያንን ውልቃውያንን ትካላት

A professional recording studio with a microphone on a stand, headphones, studio monitors, a computer monitor and audio equipment on a desk.

ንመንግስታውያንን፣ ናይ ግሊ ትካላትን ብቋንቋ ትግርኛ ሞያዊ ጽሬቱ ዝሓለወ ናይ ድምጺ ኣገልግሎት ነዳሉ፣ ናይ ምትርጓም ሓገዝ ንህብ፣ መጻሕፍቲ ኮነ ንስልጠና ዝተዳለዉ ጽሑፋት ወይ ውን ናይ ትካል መወዓውዒ ብድምጺ ናብ ዓማዊልን ተኸታተልን ንምብጻሕ ዝሕግዝ ኣገልግሎት ንህብ።

ኣብዚ ሊንክ ኣቲኻ ፣299 ክሮነር ብምኽፋል ተጠቃሚ ናይ’ዚ ዕድል ንምዃን ሕጂ ጀምር።

Cover of a presentation or study material titled 'Sverige i fokus' in Swedish, with a dark blue background and gold accents, mentioning a citizenship test practice quiz based on Swedish educational materials.

ሽወደን ኣብ ትኹረት

ዜግነት ናይ ሽወደን ኣመልኪትኩም፣ ፈተና ንምግባር ንእትዳለው፣ ኣብ መጽሓፍ Sverige i fokus መሰረት ብምግባር ዝተዳለው

  • ልዕሊ 200 ናይ ልምምድ ሕቶታት ፣

  • ቅኑዕ መልሲን ንጹር መብርህን ናይ ነፍስወከፍ ሕቶ

  • መጽሓፍ Sverige i fokus ብትግርኛ

  • መጽሓፍ Sverige i fokus ብቐሊል ቋንቋ ሽወደን

  • ኣገደስቲ ቃላት ምስ ትርጉሞምን መብርሂኡን

  • ትሕዝቶ መጽሓፍ Sverige i fokus ብዕምቆት ንምርዳእ ፣ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ድላይካ ክትለማመድ ትኽእል

A man with curly hair and a beard in a beige blazer standing in an office with a laptop and papers on the desk.

ናይ መመልከቲ ሓገዛት

ንውልቀ-ሰባት ዜግነት ናይ ሽወደን ኣብ ምምላእ፣ ጥርናፈ ስድራ-ቤት ኣብ ምምልካት፣ መንበሪ ፍቓድ ንምንዋሕ ኣብ ዝግበር ከይዲን ካልኦት ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ኣብ ምምላእን ንሕግዝ። ከምኡ’ውን ጽፈቱ ዝሓለወ CV ን Personligt brev ን ኣብ ምድላው ንሕግዝ።


Kontakta oss

ን ትካልኩም ሞያዊ ናይ ድምጽን ርክብን መፍትሒታት ምስ እትደልዩ ርኸቡና። ንናይ ዜግነት ክትዳለዉ ምስ እትደልዩ ወይ ድማ ሓገዝ ምስ እትደልዩ፡ ኣብዚ ብቐሊሉ ርኸቡና።

Logo of Admas Studio with a stylized letter 'A' in orange, gray, and blue, and the text 'Admas Studio' in white.

ብዛዕባ ኣድማስ ስቱድዮ

ኣድማስ ስቱድዮ ብደጀን ከሰተ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ዓመተ 2026 ዝተመስረተ ትካል’ዩ። ደጀን ከሰተ ኣብ ሊንሾፒን ዩኒቨርስቲ Hybrid and documentary Film production ዝተማህረ፣ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ምድላውን፣ መሃርቲ ትሕዝቶታት ኣብ ምስራሕን ዝነጥፍ። ንዓመታት ኣብ ኣብ ትረኻ መጻሕፍትን ዛንታታትን ዝሰርሐን፣ ኣብ ቤት-ንባብ ከተማ ሙታላን ኣብ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንልዕሊ 6 ዓመታት ሕብረተ-ሰባዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝሰርሐን ሰብ’ዩ። ደጀን፡ኣብ ምውህሃድ ወጻእተኛታት ምስ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን እናሰርሐ ንብዙሓት ሓጊዙ’ዩ።

ኣድማስ ስቱድዮ ሞያዊ ናይ ድምጺ ስራሕ ምስ ትምህርትን ግብራዊ ደገፍን ብምውህሃድ ይሰርሕ። ንሰነዳዊ-ፊልም፣ንትረኻ መጻሕፍቲን ዝተፈላለዩ ዛንታታትን፣ ንመወዓውዒ፣ ንትምህርታዊ ፍርያት፣ንዝተፈላለዩ ዓማዊል ብቛንቋ ትግርኛ ናይ ድምጺ ኣገልግሎት ነቕርብ። ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ውልቀ ሰባት ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ኣብ ምምላእ፡ ንምድላዋት ፈተና ዜግነት ሽወደን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይህብ።